እንኳዕ ናብ ኦስ ብደሓን መጻኹም!
ምናልባት ኣብ ኦስ ካብ ትቅመጥ ሓጺር ወይ ውን ነዊሕ ግዜ ጌርካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።
ብዛዕባ ኦስን ነበርታን ጽቡቅ ኣፍልጦ ክህልወካ ትደሊ’ዶ፧
ትሃውስ ኢን ኦስ ክንሕግዘካ ድሉዋት ኢና። ምኽንያቱ ኣብዚ ምህላውካ ከም ገዛኻ ኮይኑ ክስመዓካ ኣገዳሲ ስለዝኾነ።
ኣብዚ ወብሳይት ኣቲኻ ብዛዕባ ማሕበርና ዝገብሮም ንጥፈታት ብቋንቋኻ ኣገዳሲ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።
ትሃውስ ኢን ኦስ ኣብ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ። ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ብምድላው ሓደስቲ ንዝመጹ ሰባት ጽቡቅ ምጅማር ክኾነሎም ንጽዕር። እዚ ንምግባር ከኣ ካብ ምምሕዳር ኦስ ሓገዝ ንቅበል።
ሓደስቲ ንጥፈታት ንኽንጅምር ዝሕግዝ ሓሳብ እንተሃሊካ ከተፍልጠና ትኽእል ኢኻ።
እዚ ከኣ ሓደስቲ ንዝመጹ ሰባት ዕድላት ክንከፍተሎም ከሕግዘና ይኽእል’ዩ።
ሕቶታት እንተሃልዮምኻ ወይ ውን ሓገዝ ዘድለየካ እንተኾይኑ ብቀጥታ ናባና መጺኻ ምሕታት ይከኣል።
ኣገዳሲ ሓበሬታ ብዛዕባ ትሃውስ ኢን ኦስ ኣብ ታሕቲ ጸሚቁና ኣቀሚጥናልካ ኣለና።
ብዘይካ’ዚ ካልእ ብዙሕ ስራሓት ውን ኣለና።
ሓበሬታ ብዛዕባ ካልኦት ንጥፈታትና ውን ኣብዚ ወብሳይት ክትረክብ ትኽእል።
ሕቶ እንተሃሊካ በኢመይል ወይ ዋትስኣፕ ክትጽሕፈልና ትኽእል። ሕቶኻ ብቋንቋኻ ክትጽሕፎ ትኽእል ኢኻ።
ንሕና ከኣ ነኽንሕግዘካ ኩሉ ግዜ ድልዋት ኢና።
ተሓጋገዝቲ
ትሃውስ ኢን ኦስ ብዙሓት ወለንተኛታት ተሓጋገዝቲ ኣለውዎ። ሳይክል ክትመሃር እንተደሊኻ ወይ ውን ናይ ቋንቋ ሓገዝ ዘድልየካ እንተኾይኑ ክንሕግዘካ ድልዋት ኢና።
ምናልባት ውን ካልእ ዓይነት ሓገዝ ዘድልየካ እንተኾይኑ፣ ምሳኻ ኮይኖም ዝተፈላለየ ደስ ዘብል ንጥፈታት ክሰረሑ ዝደልዬ ተሓጋገዝቲ ኣለውና።
ኢመይልካ ወይ ቴለፎንካ ናብ info@thuisinoss.com እንተሰዲድካልና ባዕልና ክንረኽበካ ኢና።
ወለንታዊ ስራሕ
ምስ ኔዘርላንዳውያን ክትላለ ወይ ብዛዕበኦም ክትፈልጥ ትደሊ’ዶ፧
ቋንቋ ኔዘርላንድ ብግቡእ ክትዛረብ ከ ትደሊ’ዶ፧
ኣብ ናይ ኔዘርላንዳውያን ትካላት ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ።
ትሃውስ ኢን ኦስ ኣብ ብዙሓት ትካላት ንኽትሰርሕ ዕድል ክኸፍተልካ’ዩ።
ኣድራሻኻ ናብ info@thuisinoss.com እንተሰዲድካ ባዕልና ክንድውለልካ ኢና።
ስፖርት – ኩዕሶ እግሪ
ኩሉ ግዜ ሰሉስ ምሸት ካብ ሰዓት 18:00 ክሳብ 19:30 ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ስለ ዘሎ ኣብ stadion van TOP Oss (Nelson Mandelaboulevard 22, 5342 CZ Oss) ክትመጽእ ትኽእል ኢኻ።
ብነጻ ዘሰልጥን ፕሮፌሽናል ኣሰልጣኒ ኣለና። ኣቀዲምካ ምምዝጋብ ውን ኣየድልየካን’ዩ።
ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ሊንክ ጠውቅ።
ስፖርት – ጉዕዞ እግሪ
ዓመታዊ ኣብ ወርሒ ሰነ ብሓባር ብምኽንያት ለይቲ ናይ ስደተኛታት ንምዝካር 40 ኪ.ሜ ንጎዓዝ። በዚ ዝረኸብናዮ ገንዘብ ከኣ ንስደተኛታት ሓገዝ ይኸውን።
ምሳና ሓቢርካ ክትጎዓዝ እንተደሊኻ በዚ ኣድራሻ እዚ ተመዝገብ። info@thuisinoss.com.
ሳይክል
ሳይክል ተድልየካ እንተኾይና ናብ ፍሉኽተሊንግስ ቨርክ(VWN) ከምኡ ውን ናባና ብቀጥታ ክትሕብር ትኽእል። ንሕና ከኣ ሓደስቲ ዘይኮና ግን ከኣ ጽቡቅ ኣገልግሎት ዘለወን ሳይክል ንደልየልካ።
ናይ ሳይክል ትምህርቲ
ከምኡ ውን ሳይክል ዘዊርካ ዘይትኽእል እንተኾይንካ፣ ኣብ ገዛኻ መጺኦም ክምህሩኻ ዝኽእሉ ወለንተኛታት ተሓጋገዝቲ ኣለዉና።
ብዛዕባ ናይ ኔዘርላንድ ሕጊ ተራፊክ ክትመሃር ምስ ትደሊ ኣብ’ዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሊንክ ጠውቅ።
ጥንሲ፧
ወለንተኛታት ተሓጋገዝትና እኹል ዝኾነ ናይ ቆልዓ ክዳውንትን ካልእ ንብረትን ኣብ ገዛኽን ንኽህልወክን ይሕግዛ።
ጥንስቲ ምዃንኪ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ሓብርና info@thuisinoss.com ብድሕሪኡ ባዕልና ክንድውለልኪ ኢና።
በዓል ልደት
ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ብምኽንያት በዓል ልደት ንደቅኹም ዝኸውን ህያባት ናብ ገዛኹም ነምጽእ።
እቲ ህያባት ሰባት ዝወፈይዎ ስለዝኾነ ብነጻ’ዩ። ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚርኩም ክትምዝገቡ ትኽእሉ።
ስብሰባታት
ኣብ ውሽጢ ዓመት ምሉእ ስብሰባታት ብምድላው ተቀመጥቲ ኦስ ነንሕድሕዶም ክላለዩን ሓደስቲ መሓዙት ክረኽቡን ይሕግዝ።
ኣብ ድረ ገጽና ብዛዕባ’ዚ ብዙሕ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።
ብምኽንያት ኮረና (covid 19) እዞም ስብሰባታት ሓደ ሓደ ግዜ ኣይካየዱን’ዮም። ብዛዕባ’ዚ ውን ኣብ ድረ ገጽና ንጹር ሓበሬታ ምርካብ ይከኣል።
ሓሳባት
ተቀማጢ ኦስ እንተኮይንካ እሞ ኸኣ ንሓደስቲ ተቀመጥቲ ኦስ ዝጠቅም ሓዱሽ ሓሳብ እንተሃሊካ፣ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክትሕብረና ትኽእል። info@thuisinoss.com ብድሕሪ’ዚ ሓቢርና ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ክንሰርሕ ኢና።